ናብ ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ
እንኳዕ ብደሓን መፁ

ኣብ ልምዓት ማሕበረ-ኢኮኖምን ምጉልባት ማሕበራዊ ምትሕግጋዝን ገርዓልታ ተበግሶ ወሲድና ብንቕሓት እናተሳተፍና ንርከብ ማሕበር ኢና!

እዋናዊ ዜና

እዋናዊ ዜና የንብቡ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ኣካይዳ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ኣካይዳ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ (ማ.ል.ገ) 2ይ ስሩዕ ጉባኤኣ መጋቢት 15/...

ተወሳኺ የንብቡ
ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ መን እያ ክሳብ ሐዚ'ኸ እንታይ ሰሪሓ?

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ መን እያ ክሳብ ሐዚ'ኸ እንታይ ሰሪሓ?

መልክዓ ምድሪ ኢትዮጵያ (Geography of Ethiopia) ኣብ ዝብል ኣርእስቲ 'ኢ...

ተወሳኺ የንብቡ
ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪታ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪታ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ንዝርከባ ኣ...

ተወሳኺ የንብቡ

ብዛዕባና

ዝተወሰነ ብዛዕባ ማሕበርና

ቀንዲ ዕላማ ማሕበርና ኣብ ገርዓልታ ዘላቕነት ዘለዎ ልምዓት ምፍጣር ዓቕሚ ዝፈጠረ ማሕበረሰብ ክህሉ ምግባርን እዩ።

ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ!

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ /ማልገ/ ካብ ዝተመስረተሉ ጊዜ ጀሚሩ ብቀጥታ ናብ ህንፀት መንገዲ ዝኣተወ ማሕበር እዩ፡፡ ብምኳኑ ውን ኣብ ሓፂር ጊዜ ብህዝብን መንግስትን ፅቡቅ ኣፍልጦን ድጋፍን ረኺብና ገርዓልታ እርስ በእርሱ ንምርኻብ ዝጠቅሙ መንገዲታት ሰሪሑ፡፡

  • ራእይ

    ብማሕበራውን ኢኮነምያውን ዘርፍታት ዝለምዐት ገርዓልታ ምርኣይ፡፡

  • ተልእኾ

    ኣብ ማሕበራውን ኢኮነምያውን ህንፀት ገርዓልታ ምስታፍ

  • ክብርታት

    ስምረት፣ ዘላቕነት፣ ዓቕሚ ምሃብ

ፕሮጀክታት ኣልሚዕና

ህርኩታት ኣባላት ኣለዉና

ምሳና ዝሰርሑ መሓዙት ኣለዉ

ሚልዮን ብር ተጠቒምና ኣልሚዕና

ግልጋሎታትና

ማሕበርና ዝህቦም ሓፈሻዊ ግልጋሎታት

ብሓፈሻ እንትርአ ማሕበርና እዞም ዝስዕቡ ግልጋሎታት እናሃበት ትርከብ። ዝርዝር ግልጋሎታት ኣብ ውሽጢ ሕድሕድ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ተጠቓሊሉ ይርከብ።

ህንፀትን ፅገናን ፅርግያ

ገርዓልታ ገጠርን ከተማን ከምኡ እውን ምስ ኣብ ዝርይኡ ዘለዉ ከባብታትን ወረዳታትን ፅርግያ ብምስራሕ ግልጋሎት ክረክብ ትራንስፖርት ምግባር።
ተወሳኺ የንብቡ...

ልምዓት ግልጋሎታት ትምህርቲ

ኣብ ገርዓልታ ዝርከቡ ቆልዑት ዝተመቻቸወ ናይትምህርቲ ዕድል ንክረኽቡ ምምችቻው።
ተወሳኺ የንብቡ...

ልምዓት ግልጋሎታት ጥዕና

ኣብ ገርዓልታ ዝነብር ማሕበረሰብ ከባቢኡ ኣብ ምልማዕ ዓቅሚ ክህልዎን መፍረያይ ክኸውንን ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ጥዕና ክረኽብ ኣለዎ።
ተወሳኺ የንብቡ...

ፅሩይ ዝስተ ማይን ፅርየትን

ማይ ናይ ሕይወት መሰረት ስለዝኾነ ኣብ ገርዓልታ ዝነብር ማሕበረሰብ ንምግቢ፣ ንመስተን ፅሬትን ዝውዕል እዩ።
ተወሳኺ የንብቡ...

ምጉልባት ማሕበራዊ ምትሕግጋዝ

ኣብ ገርዓልታ ዘለዉ ማሕበረሰባዊ ፀገማት ንምቅራፍ ብማሕበርና ኣቢሉ ነኒባዕሉ ክተሓጋገዝን ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ድጋፍ ክረኽብ ምግባር።
ተወሳኺ የንብቡ...

ግልጋሎታት ቱሪዝም

ገርዓልታ ብዓለም፣ ብኣፍሪካ፣ ብትግራይ ደረጃ ዝፍለጥ ፍሉይ ታሪኻዊ ህንፃታትን ገዳማትን ዝሓዘ ስለዝኾነ ንቱሪስት ክፍቲ ምግባር።
ተወሳኺ የንብቡ...

ስራሕትና

ሓፈሻዊ ምስሊ ስራሕትና

ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ፡ ክሳብ ሐዚ ዘይሕለል ፃዕሪ እናገበረት ብምፅናሕ ኣብ ስራሕትን ፅገናታትን ፅርግያ፣ ግልጋሎታት ትምህርትን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ዕዙዝ ግደ እናተፃወተት መፂኣ እያ። ንዞም ስራሕቲ ይገልፁ እዮም ዝበልናዮም ዝተወሰኑ ምስልታት ከምዚ ዝስዕብ ኣቐሚጥና ኣለና።

  • ኩሎም
  • Community
  • Telethon
  • Road Construction
  • Education

500 ዝኣክል ማዕፂድ ንሓረስቶት ኣበርኪትና። ፎቶ፡ ካብ ፌስቡክ ተወሲዱ

ምስ መድረግትን ፈተውትን ልምዓት ገርዓልታ ዝተገበረ ዘተ

ደገፍ ናውቲ ትምህርቲ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ - ምትእኽኻብ ገንዘብ ቴሌቶን #2

ማልገ ምስ ማሕበረሰብ ገርዓልታ ብምትሕብባር ፅርግያ እንትሰርሕ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ - ምትእኽኻብ ገንዘብ ቴሌቶን

ስራሕቲ ፅርግያ - ናብ ፅጌረዳ ዘራኽብ

ስራሕቲ ፅርግያ ፅጌረዳ - ሓውዜን

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ወረዳ ገርዓልታን ከባቢኡን

ንልምዓት ገርዓልታ የወፍዩ

ማሕበርና ኢሉ ድማ ህዝቢ ገርዓልታ ንልምዓት ዓድኹም ኢልኩም ንዝገበርክምዎ ወፈያ፣ ደገፍን ሓገዝን ኣዚና ነመስግን። ሐዚ ድማ ማሕበርኢኮኖሚ ገርዓልታን ዓርሰ-ምርኮሳ ህዝብናን ንምድጋፍ ኢደይ ኢድኩም ክንብል ፃውዒትና ነቕርብ። ባንኪ ሒሳባትና፡

  • ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ: 1000330719862
  • ኣዋሽ ኢንተርናሽናል ባንኪ: 01322785141600
  • ኣንበሳ ኢንተርናሽናል ባንኪ: 00311101395-35
ይርከቡና ኣባል ይኹኑ

መሓዙት

መሓዙት ትካላት ማሕበርና

ማሕበርና ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ምሳና ብምዃን ተበግሶና ደጊፉም ይነጥፉ ዘለዉ መሓዙት ትካላት ኣዚና ነመስግን። ሐዚ ድማ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ቢዝነሳት፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ልምዓት ማሕበራት ወዘተ ንምሕዝነት በዚ ቅጥዒ ድላዮም ይግለፁልና .

ይርከቡና

ይርከቡና

በይዘኦም ብዞም ዝስዕቡ ኣድርሻታት ይርከቡና ወይ እውን መልእኽቲ ይፅሓፉልና . እንተክኢሎም ድማ ለበዋ ይልኣኹልና .

ኣድራሻና

ጥቃ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል

መቐለ፣ ኢትዮጵያ

ኢመይል ይልኣኹልና

info@gda.org.et

gheraltadev@gmail.com

Loading
Your message has been sent. Thank you!

ካብ ጋለሪና እነካፍለኩም ስእልታት