ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪታ
ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪታ።
ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰላዕ ኣብ እዋን ርኽክብ ዝተረኸቡ መምህር ገ/ጊወርጊስ ሃ/ስላሴ ካብ ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ንዝተውሃበና ሓገዝ ሕጉስ እየ እቲ ሓገዝ ውሱን ፀገምና ክፈትሐልና ይኽእል እዩ። ይኹን’በር ዳርጋ ኩሎም ናውቲ ትምህርቲ ብዝነበረ ኩናትን ክባን ዕፅዋን ዓንዮምን ተበላሽዮምን እዮም። ብፍላይ ብምኽንያት ሕፅረት ምግቢ ትምህርቶም ዘቋርፁ ተምሃሮ ከምዘለው ብምግላፅ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ድማ ምስ ሕፅረታት ሞዴስ፣ ኣብ ቤት ትምህርታ’ውን ማይ ብዘይምህላዉ ይፅገማ ከምዘለዋ ሓቢሮም።
መምህር ክፍለ ገ/ሂወት ካብ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ትምህርቲ ወረዳ ሓውዜን ብግድኦም ንዝተገበረልና ሓገዝ 4,000 ደፍተርን 3 ፀሊም ሰሌዳን እናመስገንና ብፍላይ ተምሃራይ ምግቢ ከይበልዐ ክመሃር ስለዘይክእል ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ከበርክቱ ፀዊዖም።
ተምሃራይ ሄኖክ ስብሃቱን ተምሃሪት ፅጌ ኣርኣያን ተምሃሮ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰላዕ ከምኡ ድማ ተምሃሪት እየሩሳሌም ብርሃነን ተምሃራይ ክብሮም ሃ/ማርያም ካብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፅጌረዳን እዮም። ዝነበረ ኩናት ዓብይ በሰላ ኣሕዲሩልና እዩ፥ በዚ ድማ ናውቲ ትምህርቲ፣ ሰሌዳታት፣ ሕፅረት ወንበር፣ ሕፅረት መናፅሂ ንደቂ ኣንስትዮ፣ ሕፅረት ምግቢ ሓዊሱ ስለዝዓነወ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፋት ይበፅሖም ከምዘሎ ብምሕባር ንግዚኡ ዝተበርከተሎም ናውቲ ትምህርቲ ብምንኣድ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድልዮም ገሊፆም።
ርእሰ መምህር ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፅጌረዳ መምህር ገ/ኣነንያ ወልዳይ ድማ ንዝተውሃበ ሓገዝ ኣመስጊኖም ኣብ ቤት ትምህርትና ልዕሊ 1,300 ዝኾኑ ተምሃሮ ኣለዉ፥ ይኹን’በር ብሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ እኹል ተምሃራይ ንምምፃእ እናፀገመልና ስለዝኾነ ብውሱን መልክዑ ፀገምና ክፈትሐልና እዩ ኢለ ይሓስብ። ስለዝኾነ ኣብ ወንበር፣ ሰሌዳ፣ ምግቢን ካልኦትን ትኹረት ዝገበረ ሓገዝ ከምዘድልዮም ብምሕባር ንግዚኡ ኣብ ሓደ ደፍተር ክልተ ሰለስተ ዓይነት ትምህርትታት ክመሃሩ ንገብር ኣለና ልዕሊ እዙይ ድማ ናይ ምግቢ ሕፅረት ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ሓደ ዕንቅፋት ኮይኑ ስለዘሎ ንዞም ዘለው ጉድለታት ብዝተኽኣለ ሓገዝ ተተገይሩልና ተምሃሮና ብዘይ ገለ ፀገም ክመሃሩ ይሕግዝ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ኣመሓዳሪ ወረዳ ገርዓልታ መምህር ወ/ኣብርሃ ገ/መድህን ብግድኦም ካብ ለገስቲ ኣካላት ብማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ኣቢሉ ንዝተገበረልና ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ በፂሑና ኣሎ ብጣዕሚ ነመስግን። ወረዳና ሓዱሽ ወረዳ ምስ ምዃኑ ብተወሳኺ ድማ ምስ ዝነበረ መብረሳይ ኩናት ተኣሳሲሩ ኣብ እዋኑ ክመሃር ዝግብኦ ወለዶ ካብ ትምህርቲ ተኣጓጒሉ ፀኒሑ እዩ፥ ንዘሎ ፀገም ተረዲኡ እቲ ማሕበር ዝወሰዶ ተበግሶ ብምንኣድ ኩሉ ነገር ባዶ ስለዘሎ ዘለዉ ሕፅረታት መንግስቲ በይኑ ክሽፍኖ ስለዘይክእል ሰብ ሃፍቲ፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ ካብ ንኡሽተይ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝን ሞራንል ክግበረልና ንሓትት ኢሎም።
ኣብ እዋን ርኽክብ ነታ ማሕበር ወኪሎም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ኣቦ-ወንበር ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ኣይተ የማነ መብራህቱ፣ እቲ ሓገዝ ካብ ለገስቲ ኣካላት ማለትውን ካብ ምግባረ-ሰናይ መምህር ሙሉ ሃ/ስላሴ (ካብ ሓገዝቱ ኣይተ ኣይዞህበለኝ ካሕሳይ ካብ እስራኤል ኣይተ ኣለምሰገድ ሕሉፍ ካብ ላስቬጋስ) 1200 ደፍተርን 10 ፀሊም ሰሌዳን፣ ካብ ገባሪ ማሕበር ገባሪ ሰናይ እኖታት ንእኖታት 15,000 ደፍተር፣ ኣይተ ሰለሞን ይሄይስን ዝተረኸበ ኮይኑ ብድምር 16,600 ደፋትር/ጥራዛትን 10 ፀሊም ሰሌዳን እዩ ምስበሉ ካብዚ ንወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ 4,000 ደፋትርን 3 ፀሊም ሰሌዳን፣ ንወረዳ ሓውዜን 4,000 ደፋትርን 3 ፀሊም ሰሌዳን፣ ንወረዳ ደጉዓ-ተንቤን ቁሸት ኣዘፈ-ማንጋ 600 ደፋትርን ንወረዳ ገርዓልታ 8,000 ደፋትርን 4 ፀሊም ሰሌዳን ከምዝተኸፋፈለ ሓቢሮም።
ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ካብ እትምስረት ሓፂር ግዘ እንተኾነ’ውን ቅድሚ ኩናት ትግራይ ጀሚሩ ብምትሕብባር ኣባላት እቲ ማሕበር፣ ተወልድትን ፈተውትን ገርዓልታ ኣብ ወረዳ ገርዓልታ ጣብያ ምስ ጣብያ፣ ቁሸት ምስ ቁሸት፣ ኢሉ ድማ ምስ መዋሰንቲ ወረዳታት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ፅርግያ እናሰርሐት ፀኒሓ እያ ኢሎም ከም ኣብነት ኣብሓለፈ ዓመት ካብ ከተማ ፅጌረዳ ናብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ፍረወይኒ ማይተኽሊ ዝወስድ ብተሳትፎ ሰራዊት ትግራይ ሓዊሱ ዝተሰርሐ 15 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ፅርጊያ ብናይ ኣብ ምርኻብ ክልቲአን ወረዳታት ዓብይ ተራ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ሐዚ ድማ ንዝተፀገሙ ተምሃሮ ዝኸውን ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ክነተኣኻኽብ ካብ ለገስቲ ኣካላት ብዝረኸብናዮ ግብረ-መልሲ መሰረት እዚ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪትና ኣለና። በዚ ድማ ነዚ ሓገዝ ክነበርክት ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ምግባረ-ሰናይ መምህር ሙሉ ሃ/ስላሴ፣ እኖታት ንእኖታት፣ ኣይተ ሰለሞን ይሄይስን ካልኦትን ኣዚና እናመስገንና ካልኦት ተመሳሳሊ ሓገዝ ክገብሩ ዝደልዩ ድማ ከም ማሕበር ኣብ ቀረባ ኮይንና ብዝተፈላለየ መልክዑ ሕ/ሰብና ንምሕጋዝ ሓቢርና ንምስራሕ ድልዋት ኢና ክረኽቡና ይኽእሉ እዮም ኢሎም።