ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ኣካይዳ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ኣካይዳ

ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ (ማ.ል.ገ) 2ይ ስሩዕ ጉባኤኣ መጋቢት 15/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ፣ ሆቴል ኣክሱም ኣካይዳ። ብነባር ተጋዳላይ ታደለ ኣለምሰገድ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ ዝተኸፈተ እቲ ዋዕላ "ካብ ዝነበረ ከቢድ ሃዋህው ናብ ተነፅፃሪ ሰላም ምብፃሕና ፅቡቕ እዩ፤ ምዕባለ ካብ ውሽጢ ስለ ዝጅምር ብምባል ዘሎ ሃዋውህው ሰላም ተጠቒምና ከምዚ ጀሚርናዮ ዘለና ተሰባሲብና ኣብ ልምዓት ከባቢና እንታይ ንስራሕ ዝብል ምዝታይና ወሳኒን ንናይ መንግስቲ ኣመሓደርቲ’ውን ሓጋዚ እዩ" ኢሎም።

ገርዓልታ ከም ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዘይትካእ ናይ ባዕላ-ሃፍተ ገነት ከም ዘለዋ ብምሕባር ደጉዓ፣ ቆላ፣ ሓውሲ ደጉዓን ዓይነት ፀባያት ዝሓዘት ሕምብርቲ ትግራይ እያ። በዚ ድማ ንመስረትቲ ማ.ል.ገ ናእድኦም ብምቕራብ ገርዓልታ ዝበሃል ብናይ ሎሚ ዘለዎ ምምሕዳር ከይተወሰነ ቆላ ገርዓልታ፣ ሑፃ ገርዓልታ፣ ደጉዓ ገርዓልታ፣ እምኒ-እንካላሎ ገርዓልታን መረታ ገርዓልታን ዝሓቁፍ ከምዝኾነ ድማ ወሲኾም ገሊፆም።

ዕላማን ሕሉፍ ስራሕቲ ማ.ል.ገ ዘቕረቡ ኣቦ ወንበር እታ ማሕበር መምህር ግርማይ ገ/ታትዮስ ካብ ምስረታ እታ ማሕበር ጀሚሩ ኣብ ጎኒ ምምሕዳር ወረዳ ገርዓልታ ብምዃን ኣብ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከም ዝተሳተፈትን ብፍላይ ቀንዲ ፀገም እቲ ከባቢ ዝኾነ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት መንገዲ ጣብያ ምስ ጣብያታት ኢሉ’ውን ወረዳ ምስ ወረዳታት ኣብ ዘራኽቡ መንገድታት ኣብ ምሕጋዝ ዕዙዝ ተራ ከም ዝተፃወተትን ኣብሪሆም። ምስ ተመሳሰልቲ ማሕበራትን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ሓቢራ ኣብ ምስራሕ ከም እትርከብ ዝገለፁ መምህር ግርማይ ብዓቕማ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናበርከተት ከምዝመፀት ናይዚ ሓደ ኣካል ዝኾነ ኣብ እዋን ወራር ኣንበጣ፣ ንተመሳሰልቲ ማሕበራት፣ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፣ ንወረዳ ሓውዜን፣ ንክልተ ኣውላዕሎ፣ ተንቤንን ገርዓልታን ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከም ዘበርከተት ተዛሪቦም። 

ንቐፃሊ ድማ ኣባላት፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ተወለድትን ፈተውትን ገርዓልታ ኢሉ ድማ ተመሳሰልቲ ማሕበራት፡ ብሓፈሻ ምስ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምዃን ዝሐሸ ስራሕ ንምስራሕ ከም ዝተለመት ብምብራህ ዝተሰርሑን ንቕድሚት ክስርሑ ዝተሓሰቡ ስራሕቲ ሓዊሱ ብዝርዝር ኣቕሪቦም። 

ገርዓልታ ኣካል ስልጣነ ኣክሱም ካብዝኾኑ ከባቢታት ሓደ ምዃኑ ዝሓበሩ መምህር ግርማይ ማእኸል ታሪኽን ቅርስን ምዃኑ ኣብቲ ከባቢ 40 ዝኾኑ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነፁ ኣብያተ ክርትያናትን ቅርስታትን ከም ዝርከቡ ካብ ህወፃ ዝርከብ ኣታዊ እንትርአ ድማ ብብርኪ ትግራይ ካብ ኣክሱም ቀፂሉ ልዑል ኣታዊ ካብ ዘለዎም ከባቢታት ሓደ ምዃኑ ሓቢሮም። 
ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ገርዓልታ ኣይተ ወልደኣብርሃ ገ/መድህን ብግድኦም ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ወረዳ ገርዓልታ ጥንካረታትን ዘለዉ ሕፅረታትን ንተሳተፍቲ ኣብሪሆም። ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ሓዊሱ ገበርቲ ሰናይ ዝጀመርዎ ተሳትፎ ብምንኣድ እቲ ወረዳ ሓዱሽ ብምዃኑን ካብ ባዶ  ዝተልዓለ ስለ ዝኾነን ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ዘስካኽሕ ኲናት ተደማሚሮም ኣብ ህዝቢን እቲ ከባቢን ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ስራሕቲ ልምዓት መንግስቲ በይኑ ክሽፍኖም ስለ ዘይክእል ናይ ኩሉ ሓገዝ ከምዘድሊ ኣብሪሆም። 

ይኹን እምበር ናይ ካልኦት ወረዳታት ኣመሓደርቲ (ማለት እውን ወረዳ ሓውዜንን ክልተ ኣውላዕሎን): ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ናይ ጣብያታት ገርዓልታ ምንቅስቓስን ልምዓትን ትፅቢት እናተገበረሎም ከቕርቡ ኣይተርኣዩን። እቲ ማሕበር መላእ ገርዓልታ ይውክሉ እዮም ዝብሃሉ ናይ ጣብያታትን ወረዳታትን ኣብ ጉባኤ ይኹን ካልኦት ዋዕላታት ቀሪቦም፡ ሓሳቦም ከቕርቡ ከም ዝግባእ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት እታ ማሕበርን ካብ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤን ተገሊፁ።

ኣብቲ 2ይ ዙር ዋዕላ ማ.ል.ገ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበሉ ሓሳባትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም እዮም። ካብቶም ዝቕረቡ ሓሳባት፡ ገርዓልታ ከም ኣካል ትግራይን ናይ ባዕላ ፀጋታት ዝሓዘትን ብዝድለ ስለ ዘይሰራሕናላ ተወላዲን ፈታዊን ገርዓልታ ሓዊስና ካብ ሎሚ ከባቢና ብምልማዕ ትግራይ ምልማዕ ከም እንኽእል፣  ትግራይ እትዓቢ ኣብ ሕድሕድ ከባቢታት ትግራይ ብዝመፅእ ድምር ዕብየት ምዃኑ፣ ዘለዉ ፀገማት እቲ ከባቢ ብውነ ኣለሊኻ ምስ ዝምልከቶም ሓቢርካ ምፍታሕ ከም ዘድሊ፣ እቲ ከባቢ ማእኸል ቱሪዝም ብምዃኑ ተወለድቲ፣ ፈተውቲ ሓዊሱ ካብ ውሽጢ ዓድን ካብ ደገን እጃሞም ዘወፍይሉ መንገዲ ምትእትታው ከም ዝግባእ፣ ምስ ዝምልከቶም ቢሮታትን መድረግቲ ኣካላትን እናተናበብካን ምስራሕ ከም ዘድሊ፣ ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ ስራሕቲ እቲ ማሕበርን ሓፈሻዊ ምስሊ ገርዓልታን ምጅማሩ ፅቡቕ ከም ዝኾነ፣ ገርዓልታ ናይ ትግራይ ቱሪዝም ብራንድ ምግባር ከም ዝከኣል፣ ምስ ምስ ኣዋሰንቲ ከባብታት ብመንገድን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ምትእስሳር ክህሊ ይግባእ ዝብሉ ርኢቶታት ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም እዮም። ክሳብ ሎሚ ብዙሕ ኣይሓገዝናኩምን ካብ ሎሚ ግና ኣብ ጎንኹም ኮይንና ክንሕግዝ ኢና፥ ገርዓልታ ናይ ኩሉ እዩ ስለዚ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ኣብ ዕብየት ልምዓት ገርዓልታ እጃሙ ከወፊ ይግባእ ተባሂሉ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ዘይመንግስታዊያን ሓገዝቲ ትካላት ብግድኦም ኣብ ስራሕቲ ልምዓት እታ ማሕበርን ወረዳ ገርዓልታን እጃሞም እናበርከቱ ከምዘለዉ ብምሕባር ንቐፃሊ ድማ ኣብ ጎኒ እታ ማሕበርን እቲ ምምሕዳርን ኮይኖም ዝሐሸ ምንቅስቓስ ከም ዝገብሩ ሓቢሮም። ንኣብነት፡ ካብ መቐለ ናብ ከተማ ፅጌረዳ ከባቢ 35 ኪ.ሜ ኢሉ ድማ ናብ ከተማ መጋብ 55ኪሜ ከም ዝኾነ ይኹን እምበር፡ መንገዲ ብዘይምህላዉ ግና ብከተማ ውቕሮ ኣቢልካ ናብ ከተማ ፅጌረዳ ልዕሊ 81 ኪ.ሜ ተዛዊርካ ከም ዝብፃሕን፡ እዚ ድማ መንግስትን እቲ ማሕበርን ብዕቱብ ክርእይዎ ከም ዝግባእን፡ ኣብቲ ዋዕላ ተገሊፁ።

ናይታ ማሕበር ሒሳብ ምንቅስቓስ ዝምልከት ብናይ ደገ ክኢላ ሒሳብ ዝነበረ ጥንኩር ጎኒን ድኽመትን ከምኡ'ውን ንቐፃሊ ኣንፈት ብዝሕብር መልክዑ ሪፖርት ቐሪቡ'እዩ። ብተወሳኺ ድማ ናይታ ማሕበር ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጅካዊ ትልሚ፡ ቅልል ብዝበለ መልክዑ ቀሪቡ፡ ብህዝቢ እውን ናይ ደገፍ መግለፅታት ተዋሂብሉ እዩ። 

ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕሉፍ ስራሕቲ እታ ማሕበር ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ኣባላት፣ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ምስክር ወረቐት ምስጋና ብምሃብ ቦርድን ሓደሽቲ ስራሕ ፈፀምቲን እታ ማሕበር ብምምራፅ ዋዕልኣ ዛዚማ።

 

ብርሃነ ገብረሚካኤል

ካብ ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *