ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ መን እያ ክሳብ ሐዚ'ኸ እንታይ ሰሪሓ?
መልክዓ ምድሪ ኢትዮጵያ (Geography of Ethiopia) ኣብ ዝብል ኣርእስቲ 'ኢንሳይክሎፔዲያ ኢቶፒካ' ጥንታዊ "መፅሓፈ ኣክሱም" ዝበሃል ሰነድ መሰረት ገይሩ ዝተፅሓፈ እዩ። እዚ ጽሑፍ ንገርዓልታ ካብተን 12 ጥንታዊ ግዝኣታት ኣክሱም ሓንቲኣ ገይሩ እዩ ዝገልፃ። ገርዓልታ ዝብል ቃል ኣብ ዝተፈላለዩ ድርሳናትን ገድሊ ቅዱሳንን መፃሕፍቲ ታሪክን ብዝተፈላለየ ምክንያት ተጠቒሱ ይርከብ፡፡ ህንፃታት ገርዓልታ ኣብ ዝህነፀሉ እዋን ብመንግስቲ ኣኵስም ገርዓልታ ካብ ኣኵስም ቀፂሉ ማእኸል ስልጣነ ብምግባር ዳግማዊ መንበረ መንግስት ተባሂሉ ይፅዋዕ ነይሩ፡፡ ድጉም ዝብል ስም እውን ካብኡ ከምዝመፀ ዓበይቲ ዓዲ ገርዓልታ ይትርኹ፡፡ገርዓልታ ኣብ ውሽጡ ልዕሊ 40 ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ህንፃ ኣብያተ ክርስቲያናትን ብጣዕሚ ብዙሓት ገዳማትን ጥንታዊ መንፈሳውያን ቦታታትን ፅሑፋትን ዝሓዘ ቦታ እዩ፡
- ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ማለት ኣብ ትግራይ ገርዓልታ እናተብሃለ ዝፍለጥ ከባቢ ዘለዉ ቁጠባዊን ማሕበራውን ፀገማት ንምቕራፍ ተወለድትን ፈተውትን ገርዓልታ ብምትሕብባር ዝቆመ ማሕበር እዩ፡፡ “ልምዓት ዓዲ ብወቂ ዓዲ” ብዝብል ቴማ ብመንግስቲ ክሽፈኑ ኣብዘይከኣሉ መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ፀገማትን ምስተወለድትን ፈተውትን ገርዓልታን ከባቢኣን ብምትሕብባር ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፀገም ንምቕራፍ ናይ ባዕሉ እጃም ንኽፃወት ብድሌት ዝተመስረተ ማሕበር እዩ፡፡
- ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሃገርና ኣንቀፅ 31፣ ብ1952 ዓ/ም ብዝወፀ ፍ/ሕ/ቁ 2 ዓንቀፅ 404 ምዝገባ ማሕበራት ደንቢ ቁፅሪ 321/1959 ዓ/ም ብናፃ ድሌትና ተወዲብና ከባቢና ንምልማዕ ንዘይተወሰነ እዋን ንትርፊ ዘይተጣየሸ ናይ ልምዓት ማሕበር እዩ፡፡
ዕላማታት ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ
ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ምትሕግጋዝን መሰረት ብምግባር ዝተጣየሸ ማሕበር ኮይኑ እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ዓላማታት ይህልዉዎ፡-
- ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ብምትሕብባር ገርዓልታ ብፅርግያ ውሽጣውን ከባብያውን ምትእስሳር ንምፍጣር ዓቕሚ ብዝፈቐዶ መልክዕ ፃዕሪ ምግባር፡፡
- ሽፋንን ፅሬትን ግልጋሎት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ፅሩይ ዝስተ ማይን መብራህትን እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ ምስ ተወለድትን ፈተውትን ገርዓልታ ብምትሕብባር ብዝተኽኣለ መጠን ብገንዘባውን ፣ብንዋታውን ሞያውን ድጋፍ ምግባር፡፡
- ኣብ ገርዓልታ ዝርከቡ ታሪካውን ተፈጥራውን ፀጋታት ናብ ረብሓ ንምውዓል ብዝተፈላለዩ መንገድታት ምፍላጥ፡፡
- ኣብ ገርዓልታ ዝርከቡ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነፁ ኣብያተ ክርስቲያናት ግቡእ ምንክብኻብን ዕቀባን ንኽግበረሎም ምስ ዝምልከተም ኣካላት ሓቢርካ ምስራሕ፡፡
- ሰንሰለታዊ ጎቦታት ገርዓልታን ኣብ ውሽጦም ሓቊፎም ዝሓዝዎም ህንፃ ኣብያተ ክርስቲያናት ንኢኮቱሪዝም ተኸሊሎም ኣብ ዩነስኮ/UNESCO/ ንኽምዝገቡ ብፅንዓት ዝተደገፈ ሀገርኣቀፋውን ዓለም ኣቀፋውን ትኩረት ንኽስሕቡ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ምክያድ፡፡
- ቱሪስት /ሃወፅቲ ዓዲ/ ኣብቲ ከባቢ ክፀንሕሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ንምፍጣር ተመጋጋቢ ዝኾነ ልምዓት ቱሪዝም ንኽህሉ እቲ ከባቢ ሕብረተ ሰብ ኣብ ናይ ቱሪዝም ኢንቨስትመንት ተሳታፊ ንኽኸውን ግንዛበ ምፍጣር፡፡
- ኣብቲ ከባቢ ብዘጋጥሙ ማሕበራዊ ፀገማት ምስ ከባብያዊ ምምሕዳር ብምርድዳእ ዓቕሚ ብዝፈቀደ መልክዕ ሓገዝ ምግባር፡፡
ማሕበርና ክሳብ ካብ ዝምስረት ዝሰርሖም ስራሕቲ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ብምትሕብባር ገርዓልታ ብፅርግያ ውሽጣውን ከባብያውን ምትእስሳር ንምፍጣር ዓቕሚ ብዝፈቐዶ መልክዕ ፃዕሪ ምግባር ዝብል ዓለማ ሒዙ ዝተመስረተ ማሕበርና ክሳብ ሐዚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ምስ ምምሕዳር ወረዳ ገርዓልታ ብምትሕብባር እዞም ዝስዕቡ መንገድታት ክህነፁ ገይሩ፡፡
- ኣብ 2012 ዓ/ም ካብ ከተማ ፅጌረዳ ናብ ትኹል-መቐለ ዝወስድ፣ ካብ ከተማ ፅጌረዳ ዓዲ ዋልካ ዓረባይ ምስ ተምቤን ዘራኽብ መስመር፣ ካብ ከተማ ፅጌረዳ ማይ ተኽሊ ምስ ወረዳ ሓውዜን ዘራኽብ ምስ ምምሕዳር ወረዳ ገርዓልታ ብምትሕብባር ካብ ተወለድትን ፈተውትን ገርዓልታ እቶት መተኣኻኸቢ ፕሮግራም ብምግባር ልዕሊ 500,000.00 (ሓሙሽተ ምኢቲ ሽሕ) ብር ብምትእኽኻብ ምስ ወረዳ ገርዓልታ ብምትሕብባር ካብ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ማይ ትግራይ 2 ዶዞር ሜሽናት ብምክራይን ብምልማን ልዕሊ 74 ኪ.ሜ ፅርግያ ክፀርግ ክኢሉ እዩ፡፡ እዘን 2 ዶዞር ማሽናት ን35 መዓልቲ ዝኣክል ኣብ ስራሕ ዝፀንሓ እንትኾና እቲ ዝሰርሕኦ ስራሕ ብገንዘብ እንትግለፅ 2 ማሽን X ብ35 መዓልቲ X ብ8 ሰዓት X ብ2,500.00 ብር ንሰዓት = 1,400,000.00 (ሓደ ሚልዮንን ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ) ብር እዩ፡፡ ብጉልበት ህዝቢ ዝተሰርሐ ስራሕ ድማ ኣብዚ ህንፀት መንገዲ እዚ ጣብያታት ፅጌረዳ፣ ዓዲ ዋልካ፣ ዓድላል፣ ዓረባይን ዓልልን ልዕሊ 10,000.00 ህዝቢ ን5 ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ ፅርጋ ተሳቲፉ እዩ፡፡ እዚ ብገንዘብ እንትግለፅ 10,000.00 X ብ5 መዓልቲ X 200 ብር = 10,000,000.00 (ዓሰርተ ሚልዮን) ዝግመት እዩ፡፡
- ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዓመት አጋጢሙ ዝነበረ ወራር አንበጣ ንምክልኻል 500 ዝኣክል ማዕፂድ ገዚኣ ብምቕራብ ሓደጋ ኣንበጣ ኣጋጢሙዎም ዝነበሩ ሓረስቶት ዘራእቶም ብእዋኑ ኣብ ምእካብ ናይ ባዕለ ታራ ጠፃዊታ እያ፡፡
- ከምኡ እውን ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ምስ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ልምዓት ማሕበራት ተሓጋጊዝካ ምልማዕ ስለ እተኣምን ንማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ማሕበር ልምዓት ዴስኣ፣ ማሕበር ልምዓት ክልተ ኣውላዕሎ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገበረት ካይና ምስ ከም ማሕበር ልምዓት እንደርታ፣ ሓውዜንን እምባስነይትን እውን ተሓጋጊዝካ ንምስራሕ ዝተፈላለዩ ርክባት ገይራ እያ፡፡
- ኣብ 2013 ኣ/ም ኣብ ዘጋጠመ ብዘጋጠመ ኪናት ምክንያት ኣብ መኸተ ዓቕሚ ብዘፍቀዶ መጠን ናይ ሎጂስቲክ አገልግሎት ሂባ እያ፡፡
- ማሕበርና ኣብ 2015 ዓ/ም ምስ ምምሕዳራት ወረዳ ገርዓልታን ሓውዜንን ብምትሕብባር ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናይ ዶዞር ማሽናት ሓቲቱ ስለዝረኸበ ልዕሊ 200,000.00 (ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ) ብር ዝግመት ነዳጅ ብምቕራብ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ካብ ከተማ ፅጌረዳ ናብ ጣብያ ማይተኽሊ ን15 መዓልቲ ዝኣክል ፅርግያ ብምስራሕ ክልቲኦም ወረዳታት ብፅርግያ ክራኸቡ ገይራ እያ፡፡ ከምኡ እወን ኣብ ሽጢ ከተማ ፅጌረዳ ን5 መዓልቲ ዝኣክል ኣፀጋሚ ዝነበረ ኮኽሒ ኣስተኻኺላ ሰሪሓ እያ፡፡ ናይዛ ደዞር ስራሕ ካብ ነዳጅ ወፃኢ ዝሰርሐቶ ስራሕ ብገንዘብ እንትግለፅ 15 መዓልቲ ብ8 ሰዓት ብ5,000.00 ብር =800,000.00 (ሸሞንተ ሚኢቲ ሽሕ) ብር ዝግመት እዩ፡፡
- ኣብ 2016 ዓ/ም ድማ ኣብ ገርዓልታ ዝርከቡ ተምሃሮን ንምሕጋዝ ካብ ዝተፈላለዩ ግብረ ሰናይ ትካላት ብምትእኽኻብ 17400 ደብተር ብገንዘብ እንትግለፅ 510,000.00 (ሓሙሽተ ምኢትን ዓሰርተን ሽሕ) ብር፣ 10 ፀሊም ሰሌዳ ብገንዘብ 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ) ብድምር 560,000.00 (ሓሙሽተ ሚኢትን ስድሳን ሽሕ) ብር ዝዋግኡ ንወረዳ ገርዓልታ፣ ወረዳ ሓውዜንን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎን ኣረኪባ እያ፡፡
ብሓፈሻ ማሕበር ልምዓት ገርዓልታ ካብ እትምስረት ኣብተን ዝሓለፋ ናይ ስራሕ ዘመናት ብ12,200,000.00 ብር ዝግመት 74 ኪሎሜትር መንገዲ፣ ብ50,000.00 ብር ዝወድአ ማዕፂድ ብምግዛእ ዘራእቲ ካብ ወራር ኣንበጣ 3 ንምድሓን እጃማ ተዋፂኣእያ፣ ልዕሊ 40,000.00 ብር ወፃኢ ገይራ ምስ ካልኦት ማሕበራት ዘለዋ ርክብ ኣብ ምጥንኻር፣ ብልዕሊ 560,000.00 ብር ንዝተፀገሙ ተምሃሮ ናይ ትምህርቲ ናውቲ ሓጊዛ እያ፡፡